መሰረታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ

መእተውን ኣገባብ ኣጸናንዕኡን

መእተው

ዕሳማ ምትእትታው ሰረታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቁዱስ ባዕልኻ ንባዕልኻ ብኣገባብ ንምጽናዕ ዝኽእል ኮይኑ ኣብ መወዳእታ ናይቲ መጽናዕቲ ድማ ንጹር ዝኾነ ስእሊ ናይቲ መሰረታዊ ወንጌል የሱስ ንክህልወካ እዩ። ንብዘላ ዓለም ወንጌል ክሰብኩን ንዝኣመኑ ድማ ኣብ ማይ ጥምቀት ብምጥላቕ ንሞቱን ትንሳኤኡን ምስኡ ክሓብሩን የሱስ ንሃዋሪያቱ ኣዚዙ እዩ። ስለዚ ኣብ መወዳእታ ናይዚ መጽናዕቲ፣ ኣብ ወንጌል ኣሚንካ ንምጥማቕ ክትውስን ተስፋ ንገብር ። ኣብዚ ደረጃ እዚ፣ ኣብ ምጅማር ስለዘለኻ ኣምላኽ ቃላቱ ከብርሃልካን ምስትውዓል ክህበካን ብዚያዳ ጸሎት ግበር፣ ብዛዕባ ናይ ሂወትካ ጉዳይ ኩሉ ንገሮ’ሞ ሽዑ ንሱ ከመይ ጌሩ ብቓላቱ ከምዝመርሓካን ኣጸቢቕካ ናብኡ ክትቀርብ ከምዝደልየካን ኣስተውዕል።

ኣብዚ መጽናዕቲ 12 ደረጃታት ኣለዉ፣ ስዒቡ ድማ ዝርዝራዊ መጽናዕቲ ሰረተ መጽሓፍ-ቁዱስ ክህሉ እዩ፣ እዚ ኩሉ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ክፍሊት ነጻ እዩ ዝሕተቶ ገንዘብ የለን።

ብቕንዕና ኢና ንሓልየልኩምን ኣብዛ ኣጋ የሱስ ናብዛ ዘልኣለማዊት መንግስተ-ኣምላኽ ዝምለሰላ እዋን ድማ ኣብ ጉዕዞኹም ክንሕግዘኩም ንደሊ፣ ስለዝኾነ ድማ ስሌኹም ንጽሊ። ነዚ ትምህርቲ ምቕባልኩምን ኣብኡ ዘለኩም ሪኢቶን ንኽትሰድሉና ድማ ንጽበ።

ኣገባብ ኣጸናንዕኡ

ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ደጋጊምካ ብምስራሕን መጽሓፍ-ቁዱስ ዘመሓላልፎ ሓሳብ ብምርኣይን ካብዚ መጽናዕቲ ዝለዓለ ፍልጠት ክትረክብ ኢካ።

ኣብ መወዳእታ ነፍሲወከፍ መጽናዕቲ ንምምላስ; ምርጫ ዘልዎም ሕቶታት ኣለዉ። በቲ መልሲ እንተድኣ ተጣራጢርካ ነቲ መዘኻኸሪ ጽሑፍካ ተወከስ። ክሳብ መወዳእታ እዚ መጽናዕቲ ዘሀውኽን ብግምት ዘመልስን የብልካን፣ ንኽሉ ሕቶታት ቁኑዕ መልሲ ንምምላስ ዘኽእለካ መግለጺ ተዋሂቡ ኣሎ አዚ ድማ ነቲ ዝስዕብ ዝላዓለ መጽናዕቲ ከም ጽኑዕ መሰረት አዩ።

መልሲ ኣርጊጽካ ምስ ወዳአካ ብዝተሓበረካ መሰረት ኣቕርቦ፣ መልስኻ ናብ ሓጋዚ መምህር ክለኣኽ እዩ እሞ፣ ንሱ ኣብ መልስታትካ ርኢቶ ብምሃብ ክመልሰልካ አዩ፣

ዝኾነ መጽሓፍ ቁዱሳዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ተወሳኺ ርእይቶ ወይ ሕቶ ክትህብ ቁቡል አኻ፣ ብዛዕብኦም ምሳኻ ክንጸሓሓፍ’ውን ሕጉሳት አና።

ዘይተጠቕሰ እንተዘይኩይኑ እምበር ኩሉ ጥቕሲ ካብ ናይ እንግልዘኛ ትርጉም ዝተውስደ አዩ።

ኣድራሻና

Carelinks,
PO Box 152,
Menai NSW 2234
AUSTRALIA

www.carelinks.net
www.biblebasicsonline.com

መጽናዕቲ ቁ1

መጽሓፍ ቅዱስ

ምጽሓፍ ቁዱስ ዘሐጉስ ሕቶ’ዩ ኣዳሊዩልና፣ ደራሲኣ እግዚኣብሄር ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ምኻኑ ብንጹር ተጠቒሱ ኣሎ፣ ንእግዚኣብሄርን መደባቱን ክንፈልጥ አዩ ዝሓተና፣ ብስልጣን አዩ ድማ ዝዛረብ። እዚ ሕቶ እዚ ጉጉይ እንተደኣ ኮይኑ፣ መጽሓፍ ቁዱስ እቲ ዝዓበየን ቀንዲን ዘይናሕሲ ኣዕሻዊ ወትሩ ንወዲሰብ ዘዳናግር እዩ፣ ዝኾነ ኮይኑ እምበኣር መጽሓፍ ቁዱስ ዝብሎ እሙን እንተ ኮይኑ ንሕና ወነንቲ ክብሩ ነገር ናይ ዓለምና ኢና።

መጽሓፍ ቁዱስ፣ ከም ሓቀኛ ቃል ኣምላኽ መጠን፣ መፍትሕ ሰላምን ሓጎስን ዝሓዘ እዩ፣ ንትርጉምን ዕላማን ምንባርና ዝምልከት ኣዚዩ ዘደንቕ ሕቶ ዝምልስን፣ ወሳኒ ውጻኢት ናይ ኣብ መንጎ ቅንዑን ጌጋን ዝሎ ቅልስ አዩ።

መጽሓፍ ቁዱስ

ናይ ብሉይ ኪዳን ጹሑፍ'ይብል..ጳውሎስ ‘’እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳሊዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ። (2 ጢሞቲዎስ 3፣16) ኩሉ ናይ’ቲ ቀዳማይ እደ-ጽሕፍ ኣብ ትሕቲ መሎኮታዊ መሪሕነት ኣምላኽ እዩ ተጻሒፉ። ሃዋሪያ ጴጥሮስ’ውን ተመሳሳሊ ሓቂ’ዩ ኣጉሊሑ፣ “ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ እምላኽ እተዛረብዎ እምበር ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።’’(2ጴጥሮስ1፣21) ።

ክልቲኦም ሃዋሪያት፡ ጽሑፋት ናይ ብሉይ ኪዳን ዘመናት ቅድሚኦም ዝተመዝገ፡ መለኮታዊ ስልጣን ኣለዎ ይብሉ። እዚ መለኮታዊ ስልጣን እዚ ንውሁድ ናይ ምስትምሃር መጽሓፍ ቅዱስ ምግላጽ ሓላፍነታዊ እዩ። ጽሓፍቲ ኣብ ዝተፈላለይ ግዜን ቦታን እዮም ጺሒፈሞ፣ ዝተፈላለየ ትምህርትን ሞያን ተሞክሮን ማሕበራዊ ደረጃታት ድማ ነርዎም፣እንተኾነ ግና ንሕእንቲ ናይ ሓባር መጽሓፍ ጽሑፋቶም ኩሉ ኣብ ሓደ ብምጥርናፍ ሓደ ዓይነት ቅርጺ ኣትሒዞማ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንምንታይ ተጻሒፉ

መጽሓፍ ቅዱስ: ወለዶ ሰብ ብኸመይ ከምተመረን ናይ እግዚኣብብር ዕላማ ብዛዕባ ምድሓንን ኣብቲ ናይ ምወዳእታ ዓወት ናይ ቅኑዕ ኣብ ልዕሊ ዘይቅኑዕ ዝመርሓናን፣ ንምንጻህ ካብ ሓጥያትን እኩይ ተግባርን ዝነግረና እዩ። እቲ ቀንዲ ዕላማ መጽሓፍ ቁዱስ እምበኣር ንዝተኮነኑ ደቂ ሰባት ምድሓን ብየሱስ ክርስቶስ ምኻኑ ንምፍላጥን በዚ መንገዲ’ዚ ክንመርሕን አዩ። ብሉይን ሓዲሽን ኪዳን ብዛዕባ የሱስ ጥራይ መድሓኒ ወዲሰብ ምኻኑ ይነግረና።

ግናኸ የሱስ፣ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምኻኑ ምእንቲ ክትኣምኑ፣ኣሚንኩም’ውን ብስሙ ህይወት ምእንቲ ኽትረክቡ እዩ እዚ እተጻሕፈ (ዮሃንስ 20፣31) ። መጽሓፍ ቁዱስ ኣብ ኩሉ ገጻቱ ንምንቕቓሕ ወዲ ሰብ፣ መንፈሳዊ መግለጺ ናይ ቅኑዕን ዘይቅኑዕን፣ ከምኡ’ውን ግቡእ ሓላፍነት ወዲሰብ ምስ ኣምላኽን ምስ ብጾቱን ዘድሊ ትምህርቲ ንረክብ።(2ጢሞቴዎስ 3፣15-17)

ኣብ መውዳአታ፣ መጽሓፍ ቁዱስ ነዓና ዝተዋህበና፣ ሕፈሻዊ ናይ መጻኢ መደብ እንታይ ሒዙ ከምዘሎ ፈሊጥና፣ ንምጻኣት ክርስቶስ መታን ክንዳሎ እዩ ዝነግረና።

ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ጥርኑፍ ናይ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ኮይኑ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፋላት ድማ ይኽፈል። መጽሓፍቲ ብሉይ ኪዳን ቅድሚ ዘመን ክርስቶስ ዝተጻሕፈ ኮይኑ ሓዲሽ ኪዳን ድማ ድሕሪ ክርስቶስ ዝተጻሒፉ 66 መጻሕፍቲ አዮም። ዝርዝሮም ኣብቅድሚት ናይ መጽሓፍ ቅዱስካ ክትረኽቦ አኻ። ንልዕሊ 1500 ዓመታት ብ40 ዝኾኑ ጸሓፍቲ’ዮም ተጻሒፎም። ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ከም እስራኤል፣ ግብጺ፣ ጣልያንን ባቢሎንን ድማ ተጻሒፎም።

ኩሎም መጻሕፍቲ ብዛዕባ ስራሕን ዕላማ ኣምላኽ ምስ ወዲ ሰብ፣ ካብቲ ፈለማ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ዝተጻሕፈ ክሳብ እቲ እዋን ዝፍጸመሉ ግዜ፣ ነሓድሕዶም ዝይጋጮ ፍረ ነገር ኣለዎም። መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡእን ኮይና እያ እሞ ንዘልኣለም ኣለም ኪነግስ አዩ።(ራእይ, ዮሃንስ 11፣15) ::

1.ብሉይ ዳዳን

መጽሓፍ ብሉይ ኪዳን ኣብ ኣርባዕተ ቀንዲ ዳፋሳት ይምቀል:-

ሀ) መጻሕፍቲ ሙሴ:-

እታ ቀዳመይቲ መጽሓፍ ኦሪት ዘፍጥረት ማለት ናይ መጀመሪያ ተበሃል፣ ብዛዕባ ርክብ ኣምላኽን እቲ ቀዳማይ ሰብን ኣብዛ ዓለም ድማ ተፍልጠና። ብድሕሪኡ ኦሪት ዘጽኣት፣ ኦሪት ዘሌዋውያን፣ ኦሪት ዘሁሉቁን ኦሪት ዘዳግምን ይስዕቡ።ኣምላኽ ንኣብራሃም ብኸመይ ከም ዝጸውዖ፣ንዕኡን ንዘርኡን ኪዳን ከምዛተወሉ፣ ንኩሎም እቶም ናቱ ዘርኢ ድማ ካብ ምድሪ ግብጺ ከምዘውጻኦምን እዛ ሕጂ እስራኤል ተባሂላ ትጽዋዕ ዘላ ሃገር ከምዘውርሶምን ድማ ይገልጻልና።

ለ) መጻሕፍቲ ዛንታ፣

ካብ መጽሓፍ እያሱ ክሳብ መጽሓፍ ኣስቴር ዛንታ ናይ እስራኤላውያንን (ኣይሁድን) ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ዝምድናን ተምዝጊቡ ኣሎ።

ሐ) መጻሕፍቲ ቅኔ፣

መጽሓፍ እዮብ፣ መዝሙር ዳዊት፣ መጽሓፍ ምሳሌ፣ መጽሓፍ መክብብን መዝሙር ናይ ሰሎሞንን (መጽሓፍ መሃልየ መሃልይ) ብመልክዕ ግጥሚ ብእብራይስጢ (ብቃንቃ እስራኤላውያን) ተጻሒፎም። ብዛዕባ መንገዲ ኣምላኽን ከምኡ’ውን ብዛዕባ ስምዒትን ግቡእ ሓላፍነትን ወዲሰብ ብዙሕ ኣገዳሲ ትምህርቲ ዝሓዙ እዮም።

መ) መጻሕፍቲ ነብያት፣

ነብዪ ማለት መሲሕ፣ ሓደ ፍሉይ ምስትብሃል ወይ ራኢ ዘለዎ፣ ኣብ መጻኢ ጊዜ ዝፍጸም ጥራይ ዘይኮነስ፣ እንተላይ ኣድላይነት እምላኽ ንደቂ ሰባት’ውን ዝንበ እዩ። በቶም ዓበይቲ ትንቢታት ናይ ኢሰያስ፣ ኤርሚያስን ህዝቅኤልን ጀሚሩ ብዙሓት ንኣሽቱ ትንቢታት ኣኸቲሉ ትንቢት ሚልክያስ ይውድእ።

2. ሓዲሽ ኪዳን

ሓዲሽ ኪዳን ኣርባዕተ ኣገደስቲ ክፋላት ኣለው፣

ሀ) ወንጌል

እዚኣቶም ኣርባዕተ ዝተፋላለየ ጸብጻብ ብዛዕባ ናይ የሱስ ታሪኽ ህይወት ፣ ብማቴዎስ፣ ማርቆስ፣ ሉቃስን ዮሃንስን፣ ዝተጻሕፋ እዮም። ነብሲ ወከፍ (ቃል ብስራት) መልእኽቲ ወንጌል በቢናይ ገዛእ ርእሶም መንገዲ ይንገረና።

ለ) ግብሪ ሃዋሪያት

አዚ ብሃዋሪያ ሉቃስ ዝተጻሕፈን ብድሕሪ የሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ምትንስኡ እንታይ ከም ዝተፈጸመን ዝነግረና ጽሑፍ እዩ። እተን ቀዳሞት ኣብያተ ክርስቲያን ብኸመይ ከምዝተመስረታ ብዛዕባ እቲ ሃዋሪያት ኣብ መላእ ግዝኣት ሮማ ዘመሓላለፍዎ ቃል ብስራት እዩ ዝንገረና።

ሐ) መልእኽቲ

እዚኣተን ብገለ ካብቶም ሃዋሪያት፣ ነቶም ቀዳሞት ኣብ ነኣሽቱ ሓደስቲ ኣብያተ-ክርስትያናት ፋሕ አሎም ዝነበሩ ኣመንቲ ንምሕጋዝ እተጻሕፋ እየን።

መ) መጽሓፍ ራእዪ

እታ ናይ መወዳእታ መልእኽቲ ናይ የሱስ፣ ንሃዋሪያ ዮሃንስ ብራእዪ ዝተዋህበት አያ።

ምኽንያታት ንምእማን መጽሓፍ ቅዱስ

1) ምእማን የሱስ ክርስቶስ ንብሉይ ኪዳን

የሱስ ክርስቶስ ኣብ መደብ መጽሓፍ ቅዱስ ማእከላይ ሰብ እዩ፣ ክውለድ ከሎ’ውን ሓዲሽ ኪዳን ኣይነበረን። አቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዘስተንተኖን/ዝመሃሮን/ ዘዘውተሮ ድማ ብሉይ ኪዻን ኣዩ ነሩ። የሱስ ነዞም ቁዱሳት ጽሑፋት ኣሚንሎም እዩ። ንሱ ኣስተምሕሩኡ ኣባቶም ብምስራትን ንሳቶም ከም ብዘየጣራጥር ሓላፍነት ተቐቢሉዎም እዩ።

ነዚ ዝስዕብ እምነ-ጽሑፍ ተመልከት፣-

ዮሃንስ 5:46-47፣, ሉቃስ 24:25-27, 44-48,፣ ማቴዎስ 22:29፣, ማርቆስ 7:6-13. የሱስ ብዛዕባ ኣብረሃም፣ ኢሳቕ፣ ያቆብ፣ ዳዊት፣ ሰሎሞንን ካላኦት ብዙሓት ሰባት ኣብ ብሉይ ኪዳን ተጠቒሶም ዘለዉን፣ ሰረተ ኣስተምህርኡ ኣብቲ ክውንነት እቲ ኣዞም ሰባት እዚኣቶም ሓቀኛታት ምንባሮምን፣ ኩሉ’ቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ቃል ኣምላኽ አዩ ዝዛረብ።

2. መጽሓፍ ቅዱስ ዘይቅኑዕ’ዩ ኮይኑ ክርከብ ኣይክኣልን አዩ።

ኩሉ ምዕባለታት ናይ’ዚ እዋን እዚ ኣተሓሳስባን ቴክኖሎጂን ፣ ሓቅነት መዛግብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምርግጋጽ ሓቢሮም። ብዙሓት ተጻረርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ሓደ በላሕቲ ሰባት ወስኽካ ብጌጋ ንምርግጋጽ ፈቲኖም እንተኾነ ግን ኩሎም ፈሺሎም። ገለ’ውን ጌጋ ምኻኑ ንኸረጋግጹ ጀሚሮም፣ብኡ’ውን ንምእማን ወሲኖም። ሓቂ ንገዛእ ርእሳ ዝይትጻረር እምበር ንሕና ብባህርና ቃል ኣምላኽ ምስ’ቲ ካብ’ዛ ዓለም ኣብዝን ኣብትን እንፈልጥ ውሁድ ክኸውን ምተተስፎና።

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንልዕሊ ዘመናት ክትዕቀብ ምኽኣላ ተወሳኽ መርትዖ ሓቅነታ አዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንክሉ ጻዕርታት ሰብ ‘’ንምርግጋጽ ዝይቅንዑነታ’’ ብዓወት ብዲሃቶ እያ። ካብ ተራ ሰባት ተዓቢጣን ተዓጊታን ፣ ምሉእ ካብ ሰነዳታ ነዲዱ፣ ብዙሓት መጻሕፍቲ ድማ ጌጋ ምኻና ንምርግጋጽ ክጸሓፋ ተገረን። ዋላ ሓንቲ መጽሓፍ ከም ኣርእስቲ መዛረቢ ኮይና ክሳብ ክንድዚ ዘየቃርጽ መደብን ተቃዋሞን ዘለዋ የላን፣ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ገና ጸኒዓን ዘይትጸዓድን ኮይና ብዓወት ኣላ።

3) ስነ-ጥንቲ ሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጽ

እቲ ዘደንቕ ጥንቲዊ ፍጻሜታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ምዕቃቡን ኣብ ደቂ ሰባት ዘለዋ ጽልውን እቲ ቀንዲ ረቓሒ ክትጎስዮ ዘአይከኣል አዩ። መርትዖ ናይ ስነ-ጥንቲ ብከም ራውሊንሶን (Rawlinson)፣ ላያርድ (Layard)፣ ስሚዝ (Smith)፣ዎለይን (Woolley) ከንዮንን ( Kenyon)፣ ኣብ ግብጺ (Egypt)፣ ነነወ ( Nineveh)፣ ኣስይሪያ( Assyria)፣ ባቢሎን (Babylon)፣ ኡር (Ur)፣ ሶርያ (Syria)፣ ሊባኖስን( Lebanon)፣ እስራኣኤልን (Israel) ኩለን ንሓቅነት ታሪኽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጉሉሕ (ዘገርም) መረጋገጺ እየን። ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ቤተ መዘክር ምዝርጋሕ; ነዚ ብንጹር ኣብሪህዎ እዩ። ናይተን ኣንጻር እስራኤል ዝቃለሳ ቅርጸ-ጽሑፋት እውን ነዚ መጽሓፍ ቅዱሳዋ ጸብጻብ፣ ናይ ጥንታዊ ልምድታትን፣ ናይ ፍሉይ ቦታ ልምድን ፍጻሜታት፣ ብኽልቲኡ ይሰማማዓሉ እየን። ኣብዚ እዋን እዚ’ውን፣ ስነ-ጥንታዊ ርኽበታት፣ ቃል ናይ’ዚ መጽሓፍ ቅዱስ ንብምሉኡ ምድጋፍን፣ ጭብጥታት ምውሳኽን ቀጺሉ እዩ። ዋላ እቲ ነቐፌታ ነቲ ብኣይሁድ ፣ኣዳቐልት (ኣባዛሕቲ) ናይቲ ቀዳማይ ጽሑፍ፣ ዝተወስደ ዝምልከት ርኽበት ናይ ቀዳሞት ኢደ- ጽሑፍ፣ ካብ ግምት ወጻኢ እዩ ዘልዎ። ኣብ 1947 ዝተረኽበ ፣ጥቕላል ብራና ናይ ምዉት-ባሕሪ ጉሉሕ ርኽበት፣ ገና ኣዚዩ ክቡር ዝኾነ መርትዖ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕነት ይህበና። እዞም ኢደ-ጽሑፋት ገለ ካብቶም ቀዳሞት ነቲ ካልኣይ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣቕዲሞም ክርከቡ ዝከኣሉ እዮም። ምሕላፍ ዘመኖም፣ ነቲ ነኣሽቱ ፍልልያት ኣብ ዝርዝር ፊደላት ከምጽእ ዝኽእል ጥራይ ብምስትብሃል ነቲ ሰረት-እምነት፣ትንቢት ወይ ታሪኻዊ ሓቂ ናይመጽሓፍ ቅዱስ ኣይጸልዎን እዩ።

እዚ ዕዮ ናይ ስነ-ጥንቲ እመበኣር ነቲ ሓቅን ተኣማንነትን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብግሉሕ መንገዲ የረጋግጽ፣ ከምዚ’ሉ ከሎ ከኣ ፍረ ናይ’ቲ መንፈሳዊ ሓሳብ ምኻኑ ብተዘዋዋሪ ይረጋግጽ።

4) ትንቢት ሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጽ፣

ኣምላኽ ባዕሉ፣ ትንቢት ናይ’ቲ ደረት ኣልቦ ልዕልንኡ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ሰብ፣ ከም ዓቢ መረጋገጺ’ዩ መሪጽዎ፣ (ኢሰያስ 46፣9-10 ፣ ኢሰያስ 42 ፣9)። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ግዜ ናብ ግዜ፣ብዛዕባ እቲ ንዝመጽእ ኣማኢት ዓመታት ዝመሓላለፈ ፍጻሜታት ይዛረብ። ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 2፣ ሰብ ጥበብ ንየሩሳሌም መጺኦም ‘’እቲ እተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ’’ ኢሎም ከምዝሓተቱ ተጻሒፉ ኣሎ። ሄሮድስ ድማ ንኹሎም ሊቅውንቲ ካህናት እዚ ሕቶ እዚ ምስ ሓተቶም ፣ ንሳቶም ከኣ ኣብ ቤት-ልሄም ምድሪ ይሁዳ ኢሎም ብሓባር መለስሉ። ምኽንያቲ ኣብ ሓንቲ ካብ ናይ ብሉይ ኪዳን መጻሕፍቲ ኣማኢት ዓመታት ቅድሚኡ ተነቢዪ እዩ። ትንቢት ሚክያስ (5፣2)።

ብተወሳኺ ንትንቢታት ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ፣ ብተዛማዲ ብዙሓት ጥንታውያን ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣይሁድ ኣለዋ። መብዛሕትኤን ካብዘን ጥንታዊያን ሃገራት ካብ’ዛዕለም ጠፊኤን እየን፣እንተኾነ ግና ኣይሁ ከምዝህልዉ መጽሓፍ ቅድስ ይነግረና። ሕንሕነ ነቲ ብዙሕ ጻዕሪታት ንምዕናም ፣ኣይሁድ ገና ሎሚ ከም ሃገር ኣለው። (ኤርሚያስ 30፣10-11)። መጽሓፍ ቅዱስ ፍረ ናይ ደቂ ሰባት ጥራይ ኔሩ እንተዝኸውን፣ ከም እዋጅ ብዛዕባ ዝኾነ እዋን ኣብ ታሪኽ ሓሶት ኮይኑ ምተረኽበ ነሩ። ኣብ ክንድኡ ኣይሁድ ሎሚ ምስ ናይ ገዛእ ርእሶም መንግስቲ፣ እስራኤል፣ ገና ምሳና ኣለዉ፣ ከምኡ’ውን ርእሲ ከተማኣ ዮርሳሌም ኣብ ትሕቲ ቅጽ’ጽሮም ኣላ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኩነታት’ዚ ምኽንያት/መግለጺ ይህበና። እዚ ክሳዕ ክንደይ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈሳዊ ተስፋ ምኻኑ ሓያል መርትዖ እዩ፣ በዚምኽንያት’ዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይጋገን እዩ።

ጽማቕ ብዛዕባ ሓደ ሓደ መግለጺታት፣ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ምኻኑ ንምእማን

· ብዛዕባ እቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ናይ ውልቀ ጸሓፍት ንነዊሕ ክፍለ ጊዜ ዝጸሓፍዎ ገዲፍካ፣ሓድነት ናይ መልእኽታ፣

· ተእምራታዊ ዕቃቢኣ፣

· መርትዖ ርኽበት ናይ ስነ-ጥንታውያን፣

· ፍጻሜታት ትንቢት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ፣ (ዝያዳ ኣብነታት ኣብ ዳሕረዋይ መጽናዕቲ ክወሃብ እዩ)

ውሳኔታት (ድሌታት) ንምፍጻም ዝማልኡ፣

መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣስተውዒልና ንሕና ከም ንእሽቱ ህጻናት ክንከውንዩ የሱስ ተዛሪቡ፣ (ማቴዎስ 11፣25)። እታ ናይ ንእሽቶ ቆልዕ እምነት ክትህልወና ይግባእ፣ እንተዘይኮይኑ ገዛእ ርእስና ወጻኢ ካብ ሓቅን ልቦና ናይ ቃል ኣምላኽ እቲ መጽሓፍ ቅዱስን ክንረኽባ ኢና። (ምሳሌ 2፣3-6)ኣምላኽ ድማ ድልየትናዓስቢ ክህበና እዩ። (እብራውያን 11፣2)። ንህይወትና ምስ ትእዛዛት ኣምላኽ ብምውህሃድ ገዛእርእስና ክንዳሎ ይግባእ።

የሱስ “ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ኾንኩም፣እንተ ገበርክምዎስ ብጹኣን ኢኹም” ይብል። (ዮሃንስ 13፣17) ከምኡ’ውን “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር፣ ጎይታይ ጎይታይ፣ ዚብለኒ ኹሉ፣ መንግስተ ሰማያት ዚኣቱ ኣይኮነን።” (ማቴዎስ 7፣21)። ሃዋሪያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ “ከምቲ ኹሉ ሳዕ ዝተኣዘዘኩም፣ ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ” (ፊልጲ 2፣12)።

ብኸመይ ኣገባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ከነጽንዕ ንኽእል

ከም ዝኾነ ዓይነት ትምህርቲ ፣ ስሩዕ መደብ ፣ውጢንካ ምንባብ እቲ ቀንዲ ሓጋዚ እዩ። ኣብ መጀምሪያ ናይዚ መጽናዕቲ እዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ተዋሂቦም ኣለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ ንባዕሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝበለጸ ኣስተርጋሚ አዩ።ኩሉ ግዜ ኣቀማምጣ እምነ-ጽሑፍ ኣብ ግምት የእትዎ፣ከምኡ’ን ምስ’ቲ ካልእ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብካዮ እምነ-ጽሑፍ ኣወዳድር።

ክሳብ መወዳእታ እንዳኸድካ እዚ መንገዲ፣ እቲ ምሉእ ሰረታዊ እምነት ብ ንጹርን ዘየወላውልን ጥቕሲታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝተደገፈ ክትርዳእ\ኢኻ።ምስ እዚ መሰረት ኩሉ ብርቱዕ ፣ ወይ ተጋራጫዊ ዝመስል ጥቕሲታት ግልጺ ወይ ውሁድ ክ’ከውን አዩ።

ዝኾነ ስምምዕ፣ ደረታዊ ጥቕሲታት ወይ ሓተታ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ሓደ ግዜ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ እንተኾነ ግን እቲ እዚ ጥርናፈታት ብዛዕባ እቶም ብመንፈሳዊ ጽሑፍ ዘይተመርሑ ክዝከሩ ኣለዎም።እንተደኣ መደምደምታ ነቲ ኣስተምህሮ ናይ ቅዱስ ጽሑፍ ዝቃወም ኮይኑ፣ ስሕተት ክኸውን ኣለዎ።(ዮሃንስ10፣35 ግብሪ ሃዋሪያት 5፣29)።

ዕላማ ናይዚ ብመስመር መጽናዕቲ፣ ነዛ መጽሓፍ ቅዱስ ገዛእ ርእስኻ ንኸተስተውዕል ንምሕጋዝ ፣ መታን ከምዘላታ ንኽትቅበላ ፣ ቃል ኣምላኽ ንዝሰምዕዎን ንዝእዘዝዎን ትሰፋ ናይ ዘልኣለማዊት ሂወት ይህብ።

ጽማቕ

· መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ እዩ፣

· መጽሓፍ ቅዱስ ንምእማን ዘሐጉሱ ምኽንያታት ኣለዉና

· መጽሓፍ ቅዱስ እንተዘይኣሚንናን ንኣምላኽ እንተዘይተኣዚዝናን ዘላለማዊ ሂወት ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና።

እምነ-ጽሑፍ ንምንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

2ጢሞቴዎስ 3፣2 2ጴጥሮስ 1 ሉቃስ 24 ግብሪ ሃዋርያት28፣23-31 ኤፌሶን4፣21-32

ኣድራሻና

Carelinks,
PO Box 152,
Menai NSW 2234
AUSTRALIA

www.carelinks.net
www.biblebasicsonline.com

ሕቶታት መጽናዕቲ ቁ.1

ነቲ ቅኑዕ መልሲ ኣስምረሉ ብድሕሪኣኡ ድማ ብጫ ምልክት ግበረሉ፣ ንዛ ንእሽቶ መጽሓፍ ብምቅላብ መልስ። ሓደ ሓደ ሕቶታት ካብ ሃደ ንላዕሊ መልሲ ክህልዎ ይካኣል እዩ፣

1. ጽሓፍ ቅዱስ ደራሲኣ መን እዩ?
ሀ) ጳውሎስ
ለ) ሙሴ
ሐ) እግዚኣብሄር
መ) ዳኑአል

2. የሱስ ኣብ መገዲ ኤማሁስ፣ ኣንታይ ክፋል ናይ ብሉይ ኪዳን ተጠቒሙዩ ነቶም ክልተ ሰዓብቱ ብዛዕባ ነብሱ ዝገለጽ ዝገበረ?
ሀ) ጽሑፋት ናይ ነቢያት
ለ) ጽሑፋት ሙሴ
ሐ) መዝሙር
መ) መጽሓፍ ምሳሌ

3. ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላል ብራናታት ኣብ _________ እዮም ተረኺቦም፣
ሀ) 1749
ለ) 1794
ሐ) 1914
መ) 1947

4. ነብዪ ሚክያስ ኣበይ እዩ እቲ የሱስ ከምዝውለድ ተነቢዩ?
ሀ) ዮርሳሌም
ለ) ቤትኤል
ሐ) ቤተሊሄም
መ) ባቢሎን፣

5. እቶም መጻሕፍቲ ናይ መጽሓፍ ቁዱስ ብልዕሊ _____ ክፍለ ግዜ እዮም ተጻሒፎም፣
ሀ) 50 ዓመታት
ለ) 15 ዓመታት
ሐ) 1,500 ዓመታት
መ) 150 ዓመታት

6. የሱስ “ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ኾንኩም፣ ______ ብጹኣን ኢኹም” ይብል።
ሀ) “ንኻልኦት ኢንተነገርኩም’’
ለ) “እንተ ገበርክምዎ”
ሐ) “እንተ ዘከርኩምዎም”
መ) “ርግጸኛታት እንተኾንኩም”

7. መጽሓፍ ቅዱስ ክንደይ ፍሉያት መጻሕፍቲ ሒዛ ኣላ፣
ሀ) 66
ለ) 27
ሐ) 39
መ) 23

8. ጴጥሮስ ኣብ 2ይ መልእኽቱ ዝጠቕሶ እቲ “እሙን ቃል” እንታይ ነሩ?
ሀ) ብዛዕባ ምዝራብ
ለ) ብዛዕባ ምዝማር
ሐ) ብዛዕባ ምትንባይ
መ) ብዛዕባ ምእማን

9. ብዛዕባ’ቲ ግብሪ ሃዋርያት 28፣23-31 ኣብ ዝተጻሕፈሉ ግዜ ጳውሎስ ኣበየነይቲ ከተማ ይነብር ኔሩ?
ሀ) ሮማ
ለ) ኤፌሶን
ሓ) ዮርሳሌም
መ) ኣሌክሳንድርያ፣

10. ብዛዕባ መደብን ዕላማን ኣምላኽ ነዛ ምድሪ ምሉእ መረዳእታ ክህበና ዝኽእል እንታይ አዩ፣
ሀ) ጥቕላል ብራና ምዉት ባሕር
ለ) ሕጊ ኣይሁድ
ሐ) መጽሓፍ ቅዱስ
መ) ጽሑፋት ስነ-ጥንቲ